ኩለመዳይ ብቕዓት ፖሊስ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ – ኮሚሽነር ጀኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ብቕዓቱ ብምዕባይ ሕገ መንግስታዊ ልኡኽቱኡ ንምዕዋት እናሰርሐ ምዃኑ ኮሚሽነር ጀኔራል ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም፡፡

ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 25 ዙር መሰረታዊ ሰልጠንቲ ኣባላት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

ኮሚሽነር ጀኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ እዋን፥ ተመረቕቲ ካብ 52 ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑን ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት እናተኸታተሉ ምፅነሖም ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ፌደራል ድሕሪ ሪፎርም ኣብ ዘለዉ ዓመታት ብዙሓት መመሓየሺታት ከምዝገበረ ብምዝኽኻር፥ በዚ ድማ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምሕላውን ሰላም ናይ ምዕሳልን ልኡኽቶታቱ ንምዕዋት እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ናይ ሎሚ መዓል ተመረቕቲ ኣባላት ፖሊስ ዝውሃቦም ሓላፍነትን ሞያዊ ስነ-ምግባርን ብዝሓለወ መልክዑ ንኽትግብሩ መልኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብለይኩን ኣለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment