ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኩለን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ካልኣይ ዙር ስልጠና ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይወሃብ ኣሎ።
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ “ካብ ኩለን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ካልኣይ ዙር ስልጠና ካብ ዝካየደሎም ማእኸላት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ውቅብቲ ከተማ ኣርባ ምንጭ ተረኺብና” ኢለን፡፡
“ብልፅግና ንብዝሃነት ኣፍልጦ ዘይህቡ ኣመኻኽታታት፣ ኣብ ሓደ ዓይነትነትን ኣፈላላይን ጥራሕ ትኹረት ዝገብር ዋልታ ዝረገፁ ኣካይዳታት ዝፈጠሩዎም ታሪኻዊ ዕዳታት እናራገፈ፣ ንዝመፅእ ወለዶ ምንዳ (ከስቢ) ዝኸውን ገዛኢ ሃገራዊ ተረኽ ንምፍጣር ኣበማርሓታት ብኽእለት፣ ልምዲ፣ ስነ-ምግባርን ንምህናፅን ብፍልጠት ንምብቃዕ ሰፋሕቲ ስልጠናታት እናተውሃቡ ይርከቡ” ክብላ ፀሪሐን፡፡
እዚ ድማ ተረባሕነትን ሰላምን ህዝቢ ንምርግጋፅ ብዝበለፀ ዓቕሚ ከምዝፈጥር እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ፅሒፈን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com