ኬኛ ቤቬሬጅስ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዓበይቲ ዕድላት ሒዙ ዝመፀ እዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ኩባንያ ኬኛ ቤቬሬጅስ ንኢኮኖሚ ዘለዎ ረብሓ ንዓውዲ ማሕበረሰብ ብዙሓት ዕድላት ሒዙ ዝመፀ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ከባቢ ጊንጪ ሓደሽቲ ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ማእኸል ኢንዳስትሪን ፍልጠትን ብምዃን ንመንእሰያት እቲ ከባቢ ዓብዪ ዕድል ስራሕ ክፈጥር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ በዙይን ብካልኦት ምኽንያታትን እቲ ኩባንያ ንህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ ማሕበረሰብ ዝመፅአሉ ስራሕቲ ልምዓት ክሕሉ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

እቲ ኩባንያ ኣብቲ ከባቢ ዘለዎ ማሕበራዊ ሓላፍነት ክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግዲኦም፤ ብለውጢ ዓመታት መንግስቲ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሑ ኢሎም፡፡

ኬኛ ቤቬሬጅስ ጅምር ስራሕቲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብዙሕ ዝተረፉ ስራሕቲ ከምዘለው ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ህዝቢ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ክሳተፍን ተጠቃሚ ክኸውንን ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሎሚ ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ተመሪቑ ዝተከፈተ ኩባንያ ኬኛ ቤቬሬጅስ ብልዕሊ 22 ቢሊየን ብር ኢንቨስትመንት ኣብ 110 ሄክታር መሬት ዝተሃነፀ እዩ።

ኣብ ዓመት ልዕሊ 3 ሚልዮን ሄክቶ ሊተር ምፍራይ ዘኽእል እቲ ኩባንያ፤ ብቴክኖሎጂ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ክኸውን ይኽእል።

እቲ ኩባንያ ልዕሊ 4 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ኣክሲዮናት፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካላትን ኣብ ሓደ ብምእካብ ዓቕሚ ሃገር ዘርኣየ ሃገር ቦቆል ኩባንያ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ን250 ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እንትኾን ብሙሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር ን1000 ሰባት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር እዩ፡፡

ብመራኦል ከድር

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FFBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment