ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2027 ቀዳማይ ዙር ናይ ምድብ ፀወታኣ ሎሚ መዓልቲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን ክተካይድ እያ።
ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 10 ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሄራዊ ስታዲየም ጁባ ክካየድ እዩ።
ኣሰልጣኒ ዮሃንስ ሳህሌ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ኣፍሪካ ዕዉት ጉዕዞ ንምግባር ከምዝተዳለዉ ምግላፆም ይዝከር።