ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዓለም ዝበፅሐሉ ኣኒሜሽንን ስራሕቲ ፊልምን 2Dን 3Dን ብስፍሓት ከይዲ ኣሰራርሓ ዘበናዊ ፊልም ምጥንኻር ይግባእ ኢሉ።
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክት ስልጠና ‘ኢማጂንግ ኣኒሜሽን ሚዲያ’ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ እቲ ፕሮጀክት ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕነት ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ምስ ማእኸል ኮል ጆን ሲ ሮቢንሰን ከቲሙ።
ሚኒስትር ዴዔታ ባህልን ስፖርትን ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ)፥ እቲ ስልጠና ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኣኒሜሽን፣ ሮቦቲክስ፣ ኣርቴፊሻል ኢንተሌጀንስ፣ ሲኒማቶግራፊ፣ ዲጂታል ኣርት፣ ፊልምን ሚዲያ ፕሮዳክሽንን ዘካተተ ከምዝኾነ ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምንባር ክታም ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና፥ ፅባቐ፣ ታሪክን ባህልን ኢትዮጵያ ብዘማልአ ኩነታት ንክገልፁ ዓቕሞም ዘማዕንብልሉ ኢዩ ኢሎም።
ብሄኖክ ሃይሉ