ዓቕሚ ምፍጣ መናእሰይ ንምጉልባት ዝተጀመረ ፃዕሪ ክጠናኸር ከምዘለዎ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ኣገንዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መናእሰይ ዘሎ ዓቕሚ ምርምርን ሓደሽቲ ነገራት ናይ ምፍጣርን ዓቕሚ ንምጉልባት ክስራሕ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን

ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ልምምድ ስግግር ቴክኖሎጂ ንኽህሉ ብዘሎ ዓቕሚን ክእለትን ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይ፤ ፀገማት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ናይ ምትካእ ዓቕሚ ምድንፋዕ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ መናእሰይ ዘሎ ዓቕሚ ምርምርን ሓደሽቲ ነገራት ናይ ምፍጣርን ዓቕሚ ቦታ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

እዚ ንምዕባይ ኢኒሼቲቭ ስታርት ኣፕ ሓዊሱ እናተተግበሩ ዝርከቡ መደባት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ርእሳ ንኽትክእል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment