ዘተኣተማምን ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረላ ኢትዮጵያ ጋህዲ ናይ ምግባር ከይዲ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀገም ስእነት ስራሕ ብዘላቕነት ምፍታሕ እንተዘይተኻሉ ከም ሃገር ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምድሃብ ምቹውን ዘተኣማምንን ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረላ ኢትዮጵያ ጋህዲ ምግባር የድሊ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ “ዝላ ማሕበራዊ ልምዓት ንህንፀት ሃገር’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ውፅኢታት ቀሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝተረኸቡ ዓወታት ተብራህሪሆም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ኣብ ለውጢ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ምውፋር ስራሕ ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ርሕቐት ኣቢሉ ን19 ሚሊየን 872 ሺሕን 846 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ።

እዚ ዓብዪ ዓወት ዝተመዝገበ፤ ትካላት ኢንተርፕርነር ብምፍጣር፣ ምስ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ምሕዝነት ብምፍጣር፣ ኣብ ምስፍሕፋሕ ቢዝነስን ማእኸላት ልህቀትን ብምዕባይ ከምኡ እውን ትካላት ትምህርቲን ስልጠናን ሞያ ቴክኒክ ዲጂታላይዜሽን ብምርግጋፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ስለዝተተግበሩ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብብርሃኑ አበራ

Comments (0)
Add Comment