ዝተዋደዱ ኣገልግሎታት ብዝበለፀ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕና ክንቅፅል ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተዋደዱ ኣገልግሎታት ብዝበለፀ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕና ክንቅፅል ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ÷ ሃገራዊ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ባህሊ ለውጢ የድሊ።

ካብ ሞንጎ ዝሃቀንናዮም ሓሙሽተ ዓምዲታትሰ ሓደ ቴክኖሎጂ ነቲ ዘፈር ኣገልግሎት ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምጥቃም፣ እቲ ኣገልግሎት ሰለጤንን ተበፃሕነትን ንምምሕያሽ ብቖራፅነት ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

‎ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ስርዓት ኣወሃህባ ተግባራዊ ምግባር ዝጀመርናዮ ኣብ ቀረባ እዋን ይኹም እምበር ኣብ ኣገልግሎት መሶብ ዝተርኣየ ልዑል ዕግበት ዓማዊል ናይዚ ስራሕ ሞዴል ውፅኢታውነት ብግልፂ ኣረጋጊፁ ኢዩ እውን ኢሎም።

እዚ ድማ እቲ ኣራርሓ ብዝበለፀ ምስፋሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዘመላኽት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተመረቐ ሞባይል ኣገልግሎት መሶብ እውን ናይዚ ቀፃልነት ዘለዎ ኣካል ምንቅስቓስ ስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment