ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ሓደሽቲ ስራሕቲ ምርምርን ቴክኖሎጂን ብምስራሕ ፀገም ሃገር ክፈትሓ ከምዝግባእ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ኣብቲ የኒቨርሲቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጂን ወራሽ ጌታነህ (ፕ/ር) ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃሒት÷ ዩኒቨርሲቲታት ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ምርምርን ቴክኖሎጂን ክሰርሓ ከምዘለወን ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብቲ ዓውዲ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ “ስራሕቲ ምርምርን ቴክኖሎጂን ናብ ማሕበረሰብ ተበፃቲ ንኽኾኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ” ኢሎም።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝስርሑ ስራሕቲ ምርምርን ቴክኖሎጂን ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦኦም እናወሰኸ ምምፅኡ ብምግላፅ÷ ፀገም ኣብ ዝፈትሑ ፈጠራታት ዓቕሚ ምህናፅ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ርእሰ ምሕደራ ብምስግጋሩ እቲ ትካል ናይ ባዕሉ ፕሮግራም ብምሕንፃፅ ብቦርድ እናፅደቐ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ፀገማት ብምፍታሕ ብዙሓት ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽአለ ገሊፆም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ