ዲጂታል ኢትዮጵያ፤ ጉዕዞ ሓሙሽተ ዓመታት ኣፈፃፅማን ዝተኣተወ ቃላትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ መደመር ኣብ 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ካብ ዘቕረቦም ዓበይቲ ሃገራዊ ራእይታት ውሽጢ እቲ ሓደ ናይታ ሃገር ዲጂታላዊ መሰረተ ልምዓት ምዝማንን ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራተጂ ምፍፃምን ነይሩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት መንግስቲ ምስተጣየሸ ዓውዲ ቴሌኮም ክፉት ምግባር፣ ዲጂታላዊ ስርዓታት ክፍሊት ምስፍሓትን ናይ መንግስቲ ኣገልግሎታት ብቴክኖሎጂ ተበፃሒ ንምግባር ንህዝቢ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

  1. ዓውዲ ቴሌኮም ነፃ ምግባርን ውድድር ዕዳጋን

ዝተኣተወ ቃል፦ንብዙሕ ዓመታት ብሓንቲ መንግስታዊት ትካል ጥራይ ዝተሓዘ ዓውዲ ቴሌኮም፣ ንውልቀን ወፃእተኛታት ኢንቨስተራት ክፉት ምግባርን ፅሬት ኣገልግሎት ምምሕያሽን።

ኣፈፃፅማ፦

  • ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ምእታው፦ መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ዕዳጋ ቴሌኮም ክፉት ብምግባር ንሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ፍቓድ ሂቡ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘፈር ቴሌኮም ናይ ዕዳጋ ውድድር ክፍጠር ገይሩ።
  • ምስፍሓት መሰረተ ልምዓት፦ እቲ ውድድር ን4Gን 5Gን መሰረተ ልምዓት ኢንተርነት ብቕልጡፍ ናብ ክልላትን ከተማታትን ክስፋሕ ዓብዩ ድፍኢት ገይሩ።
  • ኢትዮ ቴሌኮም ብኸፊል ናብ ውልቀ ምዛር፦ 10 ሚእታዊት ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ብኢትዮጵያ ካፒታል ዕዳጋ ኣቢሉ ንህዝቢን ንውሽጢ ሃገር ሰብ ሃፍቲን ንምሻጥ ዝኸይድ ከይዲ ብዕሊ ተጀሚሩ።
  1. ዲጂታላዊ ፋይናንስን ስርዓት ክፍሊትን

ዝተኣተወ ቃል፦ ስርዓት ዝውውር ገንዘብ ምዝማን፣ ኣካታቲ ዲጂታል ፋይናንስ ምዕባይን ኣጠቓቕማ ወረቐት ገንዘብ ምንካይን።

ኣፈፃፅማ፦

  • ዓወት ቴሌብርን ኤም-ፔሳን፦ ቴሌብር ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሓፂር ግዜ ልዕሊ 40 ሚልዮን ተጠቀምቲ ብምምዝጋብን ቢልዮናት ብር ዝውውር ብምፍፃምን፣ ኣብ ሃገር ባህሊ ዲጂታላዊ ክፍሊት ዓብዩ ለውጢ ኣምፂኡ። ኤም-ፔሳ ናይ ሳፋሪኮም እውን ናይ ዕዳጋ ብፅሒቱ ይሰፍሕ ኣሎ።
  • ግዴታዊ ዲጂታል ክፍሊታት፦ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ዕድጊት ነዳዲ፣ ቅፅዓት ትራፊክ፣ ክፍሊት ቴሌኮምን ኤሌክትሪክን ብዲጂታል ኣማራፂታት ጥራይ ክፍፅሙ ምግባሩ፣ ናይ ዲጂታል ኢኮኖሚ ሽግግር ኣዝዩ ኣፋጢኑዎ።
  1. ኣገልግሎታት መንግስቲ ዲጂታላዝ ምግባር፡-

ዝተኣተወ ቃል፦ ፅዕንቶ ቢሮክራሲ ምንካይ፣ ግዕዝይና ምክልካልን ኣገልግሎታት መንግስቲ ብኦንላይን ክርከቡ ምግባርን።

ኣፈፃፅማ፦

  • ሃገራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት፦ መንግስቲ ሚልዮናት ዜጋታት ኣብ ናይ ፋይዳ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ስርዓት ንምምዝጋብ ሰፊሕ ስራሕ ኣካይዱ። እዚ መለለዪ ሕዚ ኣብ ባንክታትን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከም ቀንዲ መለለዪ የገልግል ኣሎ።
  • ኦንላይን ኣገልግሎታት፦ ኣወፃፅኣ ፓስፖርት፣ ምዝገባን ምሕዳስን ፍቓድ ንግዲ፣ ከምኡ’ውን ስርዓታት እቶትን ግብሪን ብኸፊል ናብ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ተቐይሮም።
  • ህንፃ ሙዚየም ሳይንስ፦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንፀ ዘመናዊ ሙዚየም ሳይንስ፣ ፈጠራ መንእሰያት ንምትብባዕን ንህንፀት ዲጂታል ኢትዮጵያ ከም ማእከል እናገልገለ ይርከብ።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ዲጂታል 2025 ሙሉእ ብሙሉእ ኣዐዊታ፣ ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስትራቴጂ 2030 ጀሚራ ኣላ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ስትራተጂ፣ ኣካታቲን ዝማዕበለን ዲጂታላዊ ኢኮኖሚ ምህናፅ፣ ኣሰራርሓ መንግስቲ ምዝማንን ናብራ ዜጋታት ምምሕያሽን እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ፣ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ቃል ብግብሪ ኣብ ምፍፃም ቅልጡፍ ኣፈፃፅማ ኣርእዩ። ክፍት ዕዳጋ ቴሌኮም፣ ምስፍሓት ዲጂታላዊ ዕድጊትን ዝውውር ገንዘብን፣ ከምኡ’ውን ምጅማር ፋይዳ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት፣ ንመፃኢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝጠናኸረ መሰረት ዘንበሩ ዓበይቲ ዓወታት እዮም።

 

Comments (0)
Add Comment