ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገርና ፈላማይ ውድድር ፍፃመ ሙዚቃ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤኣይ) ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ፍፃመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተፈለዩ ዝበለፁ 20 ተወዳደርቲ ሰለስተ ተዓወትቲ ክፍለዩ ኢዮም፡፡
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ፣ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን እሁድ ኤኣይ ስቱዲዮን ኣብ ሃገርና ፈላማይ ውድድር ሙዚቃ ኤኣይ ኣሰናዲኦም።
ኣብቲ ውድድር ልዕሊ 600 ተወዳደርቲ ስራሕቶም ዘእተዉ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ተዓዋቲ ሎሚ መዓልቲ ክፍለዩ ኢዮም፡፡
እዚ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ውድድር ፍፃመ ሎሚ 9:00 ብፋና ቴሌቪዥንን ፋና+ን ክመሓላለፍ ኢዩ፡፡
ብለምለም ዮሃንስ