ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘተኣማምንን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ምህዳር ሳይበር ምህናፅ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
“ንቑሕ ዜጋ ድሕንነታ ንዝሓለወት ሃገር!” ብዝብል ቴማ መኽፈቲ ስነ ስርዓት 7ይ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ተኻይዱ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሕዚ ዘሎ ውድድር ቴክኖሎጂ ንድሕሪት ከይትተርፍ ነቲ ዓውዲ ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ከም ዘላ ኣብሪሆም።
ምህዳር ዲጂታል ቀንዲ ፍለፍል ኢኮኖሚያዊ ሓይሊ ሃገራትን መፍረያይነትን ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታት ንምቅላልን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምርግጋፅን ከምዝሕግዝ ከምኡ እውን ሉኣላውነት ሃገርን ብሄራዊ ድሕንነትን ንምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።
ከም ሃገር ዝተሓንፀፀ ስትራቴጂ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025”፣ ንሃገርና ናብ ዘበናዊ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምስግጋር ከም ልዑል ድልድል ኮይኑ ከምዘገልገለ ኣመልኪቶም።
ኣብዚ እዋን ምህዳር ሳይበር፣ ካብ መሬት፣ ባሕሪ፣ ኣየርን ህዋን ቀፂሉ እቲ ሓምሻይ ዓለም ለኸ ዓውደ ኲናትን ሓይሊ ሚዛንን ዝፍተሸሉ ከባቢ ኮይኑ ከምዘሎ ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ እትርከበሉ ከባቢያዊ ኩነታትን ጂኦ-ፖለቲካዊ ንሕንሕን ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዘለዋ ተቓላዕነት ከም ዘዕብዮ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ገበነኛታት ሳይበርን ፀላእቲ ኢትዮጵያን ናይ መጥቃዕቲ ፈተነታት ክገብሩ ከም ዝፀንሑ እውን ኣመልኪቶም።
ኣብ ትካላት መፈልፈሊ ሓይሊ፣ ማእኸላት ቴሌኮም፣ ስርዓታት ትራንስፖርትን ኣቪዬሽንን ከምኡ እውን ትካላት ፋይናንስ ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ክፍፀም ከምዝኽእል ኣልዒሎም።
ብምዃኑ ድማ ድሕንነት ሳይበር ሓላፍነት ሓደ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሓባራዊ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ኩሉ ሰብ ኣብ ምርግጋፅ ድሕንነት ሳይበር ዝከኣሎ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።