ዶኩ ዳግም ናብ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ ቤልጂየም ክፅምበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ መጀመርታ ውላዱ እንትውለድ ንምርኣይ ሃገራዊት ጋንታኡ ብምሕዳግ ናብ ለንደን ዘምረሀ ጄሬሚ ዶኩ ዳግም ናብ ሃገራዊት ጋንታኡ ክምለስ ኢዩ፡፡

ሃገራዊት ጋንትኡ ሓዲጉ ምውወፅኡ ስዒቡ ብዙሓት ወቐሳታት ዘተኣናገደ ዶኩ፤ ፕሬይዝ ዝተብሃለ ተባዕታይ ህፃን ኣቦ ኮይኑ ክኸውን ክኢሉ፡፡

እቲ ተፃዋቲ ወዱ እንትውለድ ኣብ ጎኒ በዓልቲ ገዝኡ ንምዃን ብምውሳኑ ብኻሊእ መዳይ ብዙሓት ናእዳ ኣትሪፉ ኢዩ፡፡

ቤልጂየም ድሕሪ ሕዚ ኣብ ተካይዶም ፀወታታት ፅዋዕ ዓለም ናይ ዶኩን ግልጋሎት ክትረክብ ኢያ፡፡

ቤልጂየም ናይ ምድብ 3ይ ፀወታኣ ዝቕፅል ቀዳም ምስ ኒውዝላንድ ክተካይድ ኢያ፡፡

Comments (0)
Add Comment