ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ቤኒንን ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ንግዲ፣ ባህሊን ካልኦት ዓውዲታት ዝተመስረተ ናይ ክልተ ወገን ርክብ ኣለወን።
ቤኒን ብ2005 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ዝኸፈተት ኮይና ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ርክብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ብዝያዳ እናተጠናኸረ መፂኡ።
ኢትዮጵያን ቤኒንን ብ2013ዓ.ም.ፈ ዝፈራረምኦ ሓፈሻዊ ማዕቀፍ ምትሕባባር ነቲ ናይ ክልተ ወገን ርክብ ፅኑዕ መሰረት ኣንቢሩሉ።
ማዕቃፍ ስምምዓት ብዕሊን ብሕብረት ኣፍሪካን ብቐረባ እናሰርሓ ዘለዋ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽንን ንግድን ብምትሕብባር ይሰርሓ ኣለዋ።
ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ናብ ከተማ ኮቶኑ ቤኒን ዝገብሮ ስሩዕ በረራታት፣ ኣብ ቱሪዝም፣ ንግዲን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንክቀራረባ ዓብዩ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ እቲ ኣየር መገዲ ኣየር ምስ መንግስቲ ቤኒን ብምትሕብባር ገያሾ ሓጂ ናብ መካ ብምጉዓዝ ዓብዩ ኣገልግሎት ምሃቡ ይፍለጥ።
ብተመሳሳሊ ናይ ክልቲአን ሃገራት ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ኤሌክትሪክ ማሽናት፣ ጨርቃጨርቅን ሕርሻዊ ፍርያትን ዝተመስረተ ኮይኑ፤ ኣብ ቀፃሊ ናይ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዕድላት ንምስፋሕ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዘተታት የካይዱ ኣለዉ።
ሕዚ ድማ ኢትዮጵያን ቤኒንን ናይ ክልተ ወገን ርከብ ብተደጋጋሚ ብዝግበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣናት መንግስቲ ዕደቶም እናተጠናኸረ ይርከብ።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሚኒስትራት ወፃኢ ጉዳይ ናይ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘተ ከምዝገበሩ ይዝከር። ኣብቲ ዘተ ድማ ቤኒን ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ ዘለዋ ዘይንቀሳቐስ ቁራፅነት ዝነኣድ ምዃኑ ተገሊፁ።
ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ሎሚ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቤኒን ሮሙዋልድ ዋዳግኒ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክልቲአን ሃገራት ክልተ ወገናዊ ርክብ ንምጥንካርን ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝለዓለ ምትሕብባር ንምፍጣር ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትዮም።
ብሚኪያስ ኣየለ