“ጊፋታ” ኣብ ሓድጊ ዓለም ምምዝጋቡ ንኢትዮጵያ ልዑል ትርጉም ኣለዎ – ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መለወጢ ዘበን ህዝቢ ወላይታ “ጊፋታ” ኣዩኔስኮ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ምምዝጋቡ ንኢትዮጵያ ኢሉ እውን ንህዝቢ ወላይታ ልዑል ትርጉም ዘለዎ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ።

በዓል መለወጢ ዘበን ህዝቢ ወላይታ “ጊፋታ” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ።

እተን ሚኒስትር እቲ በዓል ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቡ ብምምልካት ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 20 ጉባኤ ኮሚቴ ሓለዋ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ባህሊ ዩኔስኮ ብመርበብ ሓበሬታ መልእኸቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

መንግስቲ ክብሪታት ጊፋታ ኣብ ትምህርቲን መራኸብቲ ሓፋሽን ብምፍላጥ ትኹረት ተገይሩ ከምዝተሰርሐ ኣብ መልእኽተን ኣልዒለን፡፡

ነቲ በዓል ዝተውሃበ ኣፍልጦን ንመላእ ኢትዮጵያውያንን ኢሉ እውን ንህዝቢ ወላይታ ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያውያን ሓደ ዝገብሮም ሓበራዊ ባህላዊ ምዕባለ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።

በዓል ጊፋታ ባህሉን ስርዓቱን ሓሊዩ ናብ ወለዶ ንምስግጋር መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

Comments (0)
Add Comment