ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ፍልሰተኛታት ስዊዲን ዮሃን ፎርሰል ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ብምድሃብ ኣብ ቤት ፅሕቶም ተዛቲዮም።
እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያን ስዊዲንን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ዘለወንን እታ ሃገር ኣብ ህንፀት ትካላት ኢትዮጵያ ቁልፊ ግ ከምዝተፃወተት ኣዘኻኺሮም።
በዚ ድማ ኩባኒያታት ስዊዲን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ምቹው ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ክልቲአን ሃጋራት ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ሓቢርካ ምስራሕ ዝኽእሉሉ ኩነታት ምኽክር ምግባሮም ሓሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።