ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ኖርዌይ ኣስመንድ ግሮቨር ኣክረስት ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ናይ ክልቲአን ሃገራት ከልቲኣዊ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዓውዲታት ከምኡውን ኣብ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ተላዚቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ኩለ መዳይ መድረኻት ርከብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎም ቁርፀኝነት ምግላፆም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።