ጥንኩር ኣመራርሓ ዘለወን ትካላት ተወዳዳራይነት ይሃንፁ – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጥንኩር ምሕደራን ኣመራርሓን ዘለወን ትካላት ስግኣት ብምውጋድ ተወዳዳራይነት ይሃንፃ ኢሎም።

ማሕበር ኣክሲዮን ማእኸል ልህቀት ካፒታል ፋይናንስ ዘሰናደኦ ኣብ ኮርፖሬት ምምሕዳርን ኣመራርሓ ዙሪያ ዝዝቲ መድረኽ ኣመራርሓ ቦርድን ፕሬዚዳንታትን ብሄራዊ ባንኪ፣ ባንኪታትን ኩባኒያታት መድንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ዓወት ትካላት ንዕቤት ሃገር ወሰንቲ ስለዝኾኑ ጥንኩር ኣመራርሓ የድሊ።

ተምሳሌት እትኸውን ሃገር ንምፍጣር ዓውዲ ፋይናንስ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዝተሰርሐ ሪፎርም ሱር በቆል ለውጢ እናምፀአ ይርከብ ኢሎም።

እቲ መድረኽ ኣብ ምርግጋእ፣ ተወዳዳራይነት፣ ጥዕናን ውፅኢታውነትን ስርዓት ፋይናንስ ጠቓሚ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ተባሂሉ።

ብብርሃኑ ኣበራ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment