ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ዝካየድ ዘሎ ፀወታታት ምድብ 3ይ መርሃ ግብሪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ እውን ክቕፅል እዩ።
ምሸት ሰዓት 5 ኣቐዲማ መሕላፋ ዝፈለጠት ጀርመን ምስ ኢኳዶር ግጥምኣ ከተካይድ ኢያ።
ኣብ ክልቲኡ ናይ ምድብ ፀወታታት ዓወት ዘመዝገበት ጀርመን ብ6 ነጥቢ ነዛ ምድብ ትመርሕ ኣላ።
ብኣንፃሩ መጋጥምታ ኤኳዶር ካብ ክልተ ፀወታታት ሓንቲ ነጥቢ ጥራሕ ብምምዝጋብ ኣብዚ ምድብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።
ኣብ ተመሳሳሊ ምድብ ኩራሳኦ ምስ ኮትዲቫር ፀወታ ክትገብር እያ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ