ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ዘተኣኻኸቦም ኣጀንዳታት ንኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ዘተ እታወት ዝኾኑ ዘተኣኻኸቦም ኣጀንዳታት ንኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣረኪቡ፡፡

ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) እቶም ኣጀንዳታት ካብ ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኣስካለ ለማ ተረኪቦም።

እቶም ኣጀንዳታት ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተኣከቡን ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያትን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘድሀቡን ከምዝኾኑ ወ/ሮ ኣስካለ ለማ ገሊፀን።

ሃገራዊ ዘተ ሃገራዊ ንምዕዋት ግድኡ እናተዋፅአ ዝፀንሐ ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ እውን ንልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲ ንምርግጋፅን እጃሙ ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፀን።

መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊን ሃገራዊን ኣብ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ዝረኣዩ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን መበገሲኦም ንምፍላይ ዘኽእል ኣጀንዳ ብምሕንፃፅ ዘተ ክግበረሎም ናይ ምግባር ተሓንጊጡ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment