ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቦሌ ለሚ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣክስዮን ማሕበር ምድሪ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ግልጋሎት ማእኸል ሓደ መስኮት ምሃብ ጀሚሩ፡፡
እቲ ማእኸል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ እቲ ማእኸል ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር)ን ከምኡ እውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣክስዮን ማሕበር ምድር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ሎሚ ኣጀሚሮም፡፡
ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን÷እቲ ኣክስዮን ማሕበር ግልጋሎት ማእኸል ሓደ መስኮት ኣብ ፍሉይ ዞባ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲን ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ንምስላጥን ዝተቀላጠፈ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡
ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ብግዲኦም፤ ማእኸል ግልጋሎት ሓደ መስኮት ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ዝፈረዩ ፍርያት ብዝሓሸ ፍጥነትን ፅርየትን ናብ ወደብ ጅቡቲ ንምብፃሕ ዘኽእል ምዃኑ ኣረዲኦም።
እቲ ግልጋሎት ቀፃሊ ብካልኦት ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚ እቲ ግልጋሎት ከምዝጅምር ሓቢሮም።
ሓላፊ መምርሒ ኮሙኒኬሽ ኮርፓሬት ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ጳውሎስ በለጠ፤ እቲ ማእኸል ብፍሉይ ዞባ ዝርከቡ ኣልማዕቲ ኣክስዮን ማሕበር ምድር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ዝደልይዎ ግልጋሎት ክረኽቡ ኣብ ቀረበኦም ክረኽቡ ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡
እዚ ድማ ግዜን ገንዘብን ክዓቁሩ ዝገብር ምዃኑ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
ብኣድማሱ አራጋው