ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡
ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ንፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን÷ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ስድረኦምን ዘመድ ኣዝማድን ፅንዓት ተመነዮም፡፡
ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ተፈጥሮ ጉድኣት ዝበፅሖም ኢትዮጵያውያን ብቕልጡፍ እግሪ ንኽተኽሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!