ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን መላእ ኣካላት ፀፅታን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ኣብ መልእኽቶም፥ ሓዱሽ ዓመት ካብ ውሽጢን ወፃኢን ብግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተለኣኣኽቱን ዝተኸፈተልና መጥቃዕቲ ኢትዮጵያውያን ብናይ ሓባር ቅልፅም እናመከትና ስለንርከብ፤ ግብኣተ-መሬት ፀላኢ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምፍፃም ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣየር ሰላም ዝትንፍሰሉን ልምዓት ሃገሩ ዘቀላጥፈሉን ክኸውን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም።
ፖሊስ ፌዴራል ኣብ 2013 ዓ.ም፥ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ሰላም ድሕንነትን ዜጋታት ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ፀፅታ እናሳለጠ ከምዝፀንሐ እውን ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ክበፅሕ ዝነበረ መጥቃዥቲ ምስ ካልኦት ሓይለሊታት ፀፅታ ብምውዳድ ክምክት ከምዝኸኣለን እናመከተ ከምዝርከብን ከም ኣብነት ኣልዒሎም።
ሕብረተሰብ ሓዱሽ ዓመት በዓልን ኣብ ቀፃሊ ዝኽበሩ ካልኦት ዓበይቲ በዓላትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ፀፅታ ብድምቀት ንኸኽብር፥ መላእ ፖሊስ ፌዴራል እዛ ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ ኣድላዪ ምድላው ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣካላት ፀፅታን ከምኡ እውን በቢዓውደ ግምባሩ እናተዋደቑ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ፖሊስ ክልላት፣ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻታትን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።