ኣዲስ ኣበባ፣12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ካልኣይ ውድድር ጉያ ጎዳና ኢሬቻ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምክያድ ጀሚሩ።
ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ እዋን ክረምቲ ብሰላም ምዝዛሙ ስዒቡ ንኹሉ ነገር ዝፈጠረ ዋቃ ምስጋና ዝቕርበሉ በዓል እዩ።
ብምኽንያት እዚ በዓል ድማ ዓብዪ ናይ ገንዘብ ሽልማት ዘለዎ 2ይ ዓብዪ ውድድር ጉያ ኢሬቻ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ዝሽፍን ውድድር ጉያ ኢሬቻ ፍሉጣት ናይ ወፃኢን ውሽጢ ዓዲ ኣትሌታት ከምኡ’ውን ክለባት ኣትሌቲክስ ተሳቲፎም ኣለዉ።