ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚን ፅባሕን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ 3ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ጉባኤ ብቐንዱ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ማሕበረሰብ እምነት ኣፍሪካ ምቅልጣፍ፣ ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ንምዕዋትን ከይዲ ጉጅለ 20 ኣፍሪካ 2025 ምዕዋትን ትኹረት ብምግባር ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሃሙድ ኣሊ ዩሱፍ፣ ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፣ ፕሬዚዳንት ጂ20 ኢንተር ፌዝ ፎረም ደብሊው ኮል ዱርሃም (ፕ/ር) ከምዙ እውን ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን እናተሳተፉ ይርከቡ።
ጂ20 ኢንተር ፌዝ ፎረም፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከባ ዝተፈላለያ ትካላትን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ጉባኤ ኢዩ።
ብእዮናዳብ ኣንዷለም