ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር እቶት ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 760 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ ኢሉ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ናይ 6 ኣዋርሕ ትልሚ ኣፈፃፅማ ገምጋም በጀት ዓመት 2018 የካይድ ኣሎ።
ሚኒስተር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎኦ፤ ከም ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ናይ እቶት ምእካብ ዓቕሚ ክህልዎ ዘኽእል ስትራተጂ እቶት ተነዲፉን ናብ ስራሕ ተኣትዩ፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ሪፎርም ምርካብ ምጅማሩ ብምሕባር፤ ኣብዚ በጀት ዓመት ፈለማይ 6 ኣዋርሕ 640 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተተሊሙ 709 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ሓቢረን፡፡
እዙይ ድማ ልዕሊ 110 ሚኢታዊ ትልሚ ምዕዋት ምኽሉ ብምግላፅ፤ ወርሒ ጥሪ ሓዊሱ 760 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተዛሪበን፡፡
ብዳዊት ጎሳዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!