ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝነፍስ ንፋስ ኲናትን ዘይምርግጋዕን ብሃደበት ዝመፀ ኣይኮነን።ኣቲ ዞባ ብኲናት እናተናወፀ፤ ብጥሜትን ፀገምን እናተሳቐየን ዝነብር ዘሎ፤ ከም ዕድሉ ዝተወሰነ ኮይኑ ኣይኮነን። ብስውር ሽርሒ፣ ብረቂቕ ሜላን፣ ናይ ሓንቲ ሃገር መወዳታ ዘይብሉ ድልየት ንኽተግብር ተገይሩ እምበር።
እታ ሃገር መን ምዃና ንምፍላጥ ብዙሕ ምድላይ ኣየድልን።እታ ሃገር “ባሕርን ማይን ንጥቕመይ ጥራይ ይኹን” ዝብል ስሱዕ ኣረኣእያ ዘለዋ ግብፂ እያ።እታ ሃገር እቲ ባሕሪን፤ ረብሓ ማይን ናዓይ ጥራሕ ይውዓል ዝብል ቅዋም ዘለዋ ግብፂ እያ።ነዚ ሓቂ ንምርኣይ፣ ብዙሕ መረዳእታ ምቕራብ ኣየድልን፤ ግልፅን ስውርን ምንቅስቓሳት ግብፂ ምክትታል ጥራይ እኹል እዩ።
ካብ ሱዳንን ክሳብ ኤርትራ፣ ካብኡ ድማ ናብ ሶማልያ እንተ ተመልኪትና፣ ግብፂ ኣብኡ ከም እንረኽባ።ግብፂ እኩይ ድልየት ንምፍፃም ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝዘርግሐቶ ሽርሒ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ታሪኻዊ ሓቅታትን ብሓፂሩ ክንምልከት ንኽእል።
ግብፂ ንሱዳን ከም ባዕላ መከላኸሊ (Buffer Zone) ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ናይል ደገፍ ድምፂ ንምርካብ ትጥቀመላ እያ። ከምቲ ታሪኻውያንን ተንተንቲ ንኣብነት ኣሌክስ ዲ ዋል (Alex de Waal) ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘካየዶ መፅናዕትታት ከምዘረጋገፆ፤ ግብፂ ኣብ ሱዳን ሓያልን ሉዓላዊን መንግስቲ ክህሉ ኣይትደልን እያ።
ካይሮ ዘይቋረፅ ትምትን ፃዕርን፤ ሱዳን ክሳብ ፍፃመ ዓለም ብወተሃደራዊ ስርዓት እትምራሕ ሃገር ኮይና ክትቕፅል ምግባር እዩ። ኣብቲ ሕዚ ሳልሳይ ዓመቱ ዘእተወ ናይ ውሽጢ ሱዳን ኲናት፣ ሰራዊት ግብፂ ንሰራዊት ሱዳን (SAF) ብሕቡእ ብድሮንን ናይ ስለያ ሓበሬታን ብምድጋፍ፣ እቲ ኲናት ክነውሕን ሱዳን ክትድክምን ገይሩ።
እቲ ናይ ውሽጢ ኲናት ሱዳን ንግብፂ ረብሓ እዩ። ድኹም ሱዳን ሃገራዊ ረብሓኣ ኣሕሊፋ ብምሃብ፣ መፈፀሚ ናይ ግብፂ ሕቡእ ዕላማታት ኮይና ኣላ። ስለዚ እቲ ኲናት ክቋረፅ ኣይደልይን፤ ብኣንፃሩ ግብፂ ኣብ ኲናት ሓዊ ቤንዚን ትውስኸሉ ኣላ። እዚ ሓዊ ንሱዳንን ህዝባን እናቃፀለ፣ ሙቐቱ እውን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ይስማዕ ኣሎ። ዕላማ ካይሮ ድማ እዚ ሓዊ ናብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ክባፃሕ ምግባር እዩ፡፡
ንደቡብ ሱዳን እውን ከም ሱዳን፣ ኣብ ዘየቋርፅ ናይ ውሽጢ ጎንፂታት ብምእታው፣ ተንበርካኺ መንግስቲ ናይ ምፍጣር ሕልማ ክሳብ ሕዚ ኣይገደፈቶን። እቲ ንቀርኒ ኣፍሪካ ንምዝራግ ዝተዘርግሐቶ ኢድ ግብፂ ክሳብ ዝቑረፅ፤ ጁባ ካልእ ዒላማኣ እያ።
ወፃኢ ፖሊሲ ኤርትራ ብምጥቃም፣ ንቀርኒ ኣፍሪካ ምዝራግ ካልእ ስትራተጂ ግብፂ እዩ። ከም ዝፍለጥ፣ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኣብ ጎንፂ ዝተመስረተ ምዃኑ ምስክር ኣየድልን።
ፕሬዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ናይ ገንዘብን ድሕንነትን ውሕስነት ክሳብ ዝረኽብ፣ ግብፂ ኣብቲ ዞባ ንእትካየዶ ናይ ውክልና ኲናት መሬታን ሓይሊ ሰብኣን ብኽራይ ከም እተቕርብ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ናይ ጉጅለ ክኢላታት ሕቡራት መንግስታት ኣረጋጊፆም እዮም።
ኤርትራ ንቀርኒ ኣፍሪካ ንምዝራግ ዝተልኣኸት ናይ ሓዊ ፍሓም መባርዒት እያ። ኣብ ዝበፅሓቶ ኩሉ ቦታ፣ ነቲ ፍሓም ብምብታን ነቲ ዞባ ንምትሕምማስ መንግስቲ ኤርትራ ፅቡቕ ተለኣኣኪ ግብፂ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ኤርትራ ንመንግስቲ ሶማልያ ንምድኻም ንኣል-ሸባብ ዕጥቅን ገንዘባዊ ደገፍን ትገብር ከም ዝነበረት ሕቡራት መንግስታት ብማዕቀብ ዝተነበረላ ታሪኻዊ መርትዖ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ግብፂ ነዚ ናይ ኤርትራ ዘይረጋእ ባህሪ ብምጥቃም፣ ናይ ኤርትራን ሶማልያን ሓባራዊ ፀረ-ኢትዮጵያ ግንባር ኣብ ምትሕብባር ትርከብ ኣላ።
እዚ ኩሉ ሽርሒ ግብፂ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ባብ ኣል መንደብን ምትርማስ ብምፍጣር ንባዕላ ከም ኣገዳሲት ሃገር ክትቀርብ ምግባር እዩ። ኢኮኖሚያዊ ህልውናን ሸርፊ ወፃኢ ግብፂ ብዓብዪኡ ኣብ ሱዌዝ ቦይ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ቦይ ብዘይ ምቁራፅ ንኽሰርሕ ድማ ባብ ኣል መንደብን ቀይሕ ባሕርን ኩሉ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ውጥረት ክነብሩ ኣለዎም ዝብል ኣረኣእያ ኣለዋ።