ስፓርት

ስፓርት

ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ንዌልስ መዘናኣ ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ንዌልስ መዘናኣ 2 ን 0 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ። ኣብ ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም÷ ዌልስን ኢራንን ዝተራኸባ እንትኾና ኢራን ተዓዊታ ክተወፅእ ክኢላ። ሮዝቤህ ቼስሚንን ራሚን ረዛይን ኣብ መዛዘሚ እቲ ፀወታ ብዘመዝገቡወን ክልተ ሽቶታት ኢራን ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ። ኣብቲ ፀወታ ሓላዊ ልዳት ዌልስ ብዝሰርሖ ጥፍኣት ብቐይ ካርዲ ኣብ መበል 86 ደቒቕ ካብ ሜዳ ተሰናቢቱ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኳር ካብ ሜዳ ዝተሰናበተ ፈላማይ ተፃዋቲ…
Read More...

ብራዚል ንሰርቢያ 2ን0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሸት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ምድብ ሸውዓተ÷ ብራዚል ንሰርቢያ 2ን0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ። ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ቀዳማይ ፍርቂ ፀወታ ብዘይ ሽቶ ይዛዝማ እምበር÷ ድሕሪ ዕረፍቲ ሪቻልሰን ብዘመዝገበን 2 ሽቶታት ብራዚል ተዓዋቲት ገይረንኣ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…

ኡራጋይን ደቡብ ኮሪያን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡራጋይን ደቡብ ኮሪያን ብማዕረ ውፅኢት ባዶ ብባዶ ተፈላሊየን። ነዚ ስዒቡ ነጥቢ ተማቒለን ኣለዋ። መበል 22 ዋንጫ ዓለም ኣብ ኳታር ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/…

ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ካሜሮን 1 ን0 ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ሰዓት 7 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ዋንጫ ዓለም ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ካሜሮን 1 ን0 ተዓዊታ። ብሪል ኤምቦሎ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ ስዊዘርላንድ እቲ ፀወታ ክትስዕር ክኢላ ኣላ። ብትውልዱ ካሜሮናዊ ብዜግነቱ ስዊዘርላንዳዊ ዝኾነ ብሪል ኢምቦሎ፥ ኣብ ልዕሊ ካሜሮን ብዘቑፀሮ ሸቶ ታሕጓሱ ኣይገለፀን። እቲ ተፃዋታይ ካብ…

ሎሚ መዓልቲ ክልተ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሳተፋሉ ፀወታታት ዋንጫ ዓለም ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ክልተ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሳተፋሉ ፀወታታት ዋንጫ ዓለም ክካየድ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ሰዓት 7 ካሜሮን ምስ ሰስዊዘርላንድ ሰዓት 1 ፖርቱጋል ምስ ጋና ሰዓት 10 ኡራጋይ  ምስ ደቡብ ኮሪያ ሰዓት 4 ብራዚል ምስ ሰርቢያ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታታት፥ ሞሮኮ  ምስ…

ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ጀርመን ብጃፓን ተሳዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ንጀርመን መዘናኣ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ። ሰዓት 10 ኣብ ዝጀመረ ፀወታ ክልቲአን ሃገራት ኢካይ ጉንዶኻን ኣብመበል 33 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሽቶ ጀርመን ክትመርሕ መሪሓ ትንበር እምበር÷ ጃፓን ድሕሪ ዕረፍቲ ብዶኣንን ኣሳኖን ኣቢላ ኣብ…

ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሞሮኮን ክሮሺያን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ኣብ ሃገራዊያን ጋንታታት ሞሮኮን ክሮሺያን ማዕረ ተፈላሊየን። ሰዓት ሸውዓተ ኣብ ዝጀመረ ፀወታ ክልቲአን ሃገራት 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ። ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ሃገራት ቤልጂምን ካናዳን ምሸት ሰዓት 4 ክራኸባ ኢየን። ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ዝርከባ ጀርመንን…