ሃገራዊ ዘተ ዘላቒ ሰላም ብምስፋን ንኣፍሪካ ኣርኣያ ዝኸውን እዩ – ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 16፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ሃገራዊ ዘተ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ ኢሎም ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪካ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ።

ካብ መላእ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዝተወከሉ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ዝተሳተፍሉ፣ ካብ ሓምለ 8/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ መዕፀዊ ስነ-ስርዓቱ ይካየድ ኣሎ።

ነበር ፕሬዚደንት ናይጀርያን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንቀርኒ ኣፍሪካን ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ፣ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ዘተ ንኣፍሪካ ዓብዩ መርኣያ ምዃኑ ሓቢሮም።

ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ብዓወት ብምዝዛሙ፣ ንኢትዮጵያውያን እንቋዕ ደስ በለኩም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment