ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣባል መራሒ ጉጅለ ዓለም ለኸ ገጎስጓስ ምስፋሕ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣባል መራሒ ጉጅለ ዓለም ለኸ ገጎስጓስ ምስፋሕ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢ ኮይኖም፡፡

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ንኣይተ ደመቀ መኮንን ኣባል እቲ ጉጅለ ገይሮም ዝሾሙ እንትኾኑ፤ ልምዲ ኣመራርሐኦም ሸቶታት እቲ ጎስጓስ ንምዕዋት ልዑል ኣስተፅኦ ከምዘበርክት ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ ዝተሾሙ ኣብ ዘፈር ቀረብ ውሕስና ምግቢን ዝተመጣጠነ ምግቢን ንዘበርከቱዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ብመሃብ እንትኸውን፤ እቲ ሽመት ንክልተ ዓመታት ዝፀንሕ እዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ብብርኪ ዓለም ንቀረብ ዝተመጣጠነ ዝግበር ፃዕሪ ስትራቴጂያዊ ኣመራርሓን ክትትልን ዝህብ እንትኸውን፤ 67 ኣባል ሃገራትን 4 ግዝኣታት ህንዲን ብሄራዊ ምግቢን ስርዓተ ምግቢን ትልመን ንኸዕውታ ሓገዝ ይገብር።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተሾሙ፤ እቲ ጎስጓስ ስትራቴጂካዊ ማዕቐፍ ትግበራ ኣብ ዝጅምረሉ ወሳኒ እዋን ምዃኑ ኣብቲ ደብዳቤ ተሓቢሩ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment