ኣብ ከተማ መቐለ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ኣሎ – ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ኣሎ ኢሎም ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)። በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ገምጊሙ። ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምበሉዎ፤ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ መቐለ ኣብ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምፍጣር ዕድል ስራሕ ክካተቱ እዮም። ኣብ መቐለ ንመሰል ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም። እዚ ዲጂታል ምዝገባ መናእሰይ እታ ከተማ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ክሳተፉ ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም። በዚ ድማ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተኻቲቶም ስራሕ ንኽጅምሩ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ኣመልኪቶም። እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ሓላፍነት ከምዝፈፀመ ዘረጋግፅ፤ ህዝቢ እቲ ክልል ንመረፃ ምቹው ዝኾነ ሃዋህው ክፈጥር እንተኽኢሉ ምዃኑ እውን ኣረጋጊፆም። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ተጣይሹ ንምርኣይ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝከኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም። #ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ ብኣሸናፊ ሽብሩ

ኣብ ከተማ መቐለ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ኣሎ – ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ኣሎ ኢሎም ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ገምጊሙ።

ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምበሉዎ፤ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ መቐለ ኣብ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምፍጣር ዕድል ስራሕ ክካተቱ እዮም።

ኣብ መቐለ ንመሰል ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

እዚ ዲጂታል ምዝገባ መናእሰይ እታ ከተማ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ክሳተፉ ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተኻቲቶም ስራሕ ንኽጅምሩ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ሓላፍነት ከምዝፈፀመ ዘረጋግፅ፤ ህዝቢ እቲ ክልል ንመረፃ ምቹው ዝኾነ ሃዋህው ክፈጥር እንተኽኢሉ ምዃኑ እውን ኣረጋጊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ተጣይሹ ንምርኣይ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝከኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብኣሸናፊ ሽብሩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment