ህንዲን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ብሓባር ንምስራሕ ተሰማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ህንዲን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ብሓባር ንምስራሕ ተሰማዕሚዐን።

ካልኣይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ምክልኻል ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ምክልኻል ህንዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ጉባኤ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ሽርክነት ንምስግጋር ዝዓለመ እንትኸውን፤ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ምክልኻል ዝተፃእፅኡ ጀነራል መኮንናትን ላዕለዎት መኮንናትን ካብ ህንዲ ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ህንዲ ሳንጃይ ኩማር ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም።

ዳይሬክተር ዋና ዳይሬክቶሬት ዓለም ለኸ ርክባትን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፤ ማዕቐፍ ክልተኣዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተመስረተን ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወን እዩ ኢሎም።

እቲ ምትሕብባር ንዓቕሚ ኲናት ሓሙሻይ ወለዶ ዘዕብዩ ሓገዛት ቴክኖሎጂን ስልጠናን ምግባር፣ ስርዓተ ትምህርቲ ኣካዳሚታት ምክልኻል ምምሕያሽ፣ ከምኡ እውን ንሓይሊ ኣየርን ትካላት ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንምግባር ዝግበሩ ስራሕቲ ትኹረት ከም ዝገብር እውን ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ፣ ስግግር ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን፣ ትምህርቲ፣ ኣገልግሎት ሕክምና ምክልኻል፣ ሓይሊ ባሕሪ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ምኽባር ሰላምን ካልኦት ቁልፊ ትካላዊ ተግባራትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ከም ዝተኻየደ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ህንዲን ጆይንት ሴክሬታሪን ሳንጃይ ኩማር ገሊፆም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1958 ዓ.ም ዝጀመረ እንትኸውን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ኣብ ታሕሳስ 2025 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት እቲ ዝምድና ናብ ስትራቴጂካዊ ደረጃ ሽርክነት ከም ዝዓበየ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment