ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልምዓት ወሰን ሩባን ኮሪደርን ዝማዕበሉ መሰረተ ልምዓታት ስፖርት መናእሰይ ኣካላዊ ብቕዓቶም ንኸዕብዩን ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ተወዳደርቲ ክኾኑን ዓብዪ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ።
ስድራቤት ካራቴን ማርሻል ኣርትን ሎሚ መዓልቲ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ካብ ቀጨኔ ክሳብ ጊዮን ኣብ ዝለምዐ ወሰን ሩባ ናይ እግሪ ጉዕዞን ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምርኢታትን ኣቕሪቦም።
ስድራቤት ስፖርት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ሕፅረት መሰረተ ልምዓት መለማመዲ ስፖርት እናተቐረፈ ምዃኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ መናእሰይ ብቑዕ ተወዳደርቲ ክኾኑ ከምዝሕግዞም ገሊፆም።
ጥዑይ፣ ብቑዕን ኣብ ዓውዲ ስፖርት ተወዳዳሪን ንምዃን፤ ኣብ ልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰን ሩባን ዝማዕበሉ መሰረተ ልምዓት ስፖርት መናእሰይ ተጠቀምቲ ዝገብር ኩሉ ዝሓቖፈ ልምዓት ምዃኖም፣ እቶም ስድራቤት ስፖርት ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ከምዝሓበሮ፤ እዞም መሰረተ ልምዓት ስፖርት ንመናእሰይ ዓብዩ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ።