ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሉኣላውነትን ብሄራዊ ረብሓታትን ክሕሉ ዝኽእል ንዘበኑ ዝምጥን ብቑዕ ሰራዊት ተሃኒፁ እዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ኮሌጅ ኣዛዚነትን ስታፍን ምክልኻል፣ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠኖም ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ዝተሳተፉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ህንፀት ሰራዊት ኣብ ፅሬት ሓይሊ ሰብ፣ ሞያዊ ክእለት፣ ብቕዓት ኣመራርሓን ዓቕሚ ቴክኖሎጂን ዝተመስረተ ምዃኑ ገሊፆም።
ሉዓላዊነት ሃገር፣ ብሄራዊ ረብሓታትን ድሕንነት ህዝቢን ንምሕላው ብሞያዊ ብቕዓት፣ ብዘበናዊ ኣመራርሓን ብቴክኖሎጂን ዝበቕዐ ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ታሪኻ ፀቕጥን ፈተናታትን ወፃኢ ዝሓለፈት ኢትዮጵያ፤ ሎሚ እውን ሉኣላዊነታን ብሄራዊ ረብሓታታን ንምሕላው እኹል ድልውነት ዘለዎ ጥንኩር ሰራዊት ትሃንፅ ዘላ ኢሎም።
ህንፀት እቲ ሰራዊት ኣብ ፅሬት፣ ብቕዓትን ዘበናዊ ዓቕሚ ውግእን ዝተመስረተ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ናይ ሕዚን መፃኢን ኣካይዳ ውግእ ልዑል ፍልጠት ቴክኖሎጂን ብቕዓት ኣጠቓቕማ ሓበሬታን ዝሓትት ምዃኑ ብምግላፅ፤ መራሕቲ ሰራዊት ዲጂታል ቴክኖሎጂ፣ ስርዓት ጂፒኤስ፣ ኣጠቓቕማ ኮምፒዩተርን ሰብ ሰራሕ ብልሒን ብብቕዓት ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ኣገንዚቦም።
ሓበሬታ ብትኽክል ምንታን፣ ቴክኖሎጂ ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ውሳነ ምጥቃምን ምስ ለውጢ ዘበናዊ ወታደራዊ ኣሰራርሓ ምስጓምን ከም ዘድሊ ምግላፆም ሓበሬታ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ኣመልኪቱ።
ኮሌጅ ኣዛዚነትን ስታፍን ካሪኩለም ስልጠናኡ ብምዝማን፣ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ብምጥንኻርን ዓቕሚ ስልጠናኡ ብምዕባይን ንዝቕፅል ለውጢ ወታደራዊ ኣሰራርሓ ዝበቕዑ መራሕቲ ከፍሪ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ኮሌጅ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ዓለምን ዝመፁ መኮንናት ዘሰልጥን፣ ብብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ ማእኸል ወታደራዊ ትምህርቲን ስልጠናን ንኽኸውን፤ መሰረተ ልምዓት ስልጠና ብምስፋሕ፣ ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ብምጥንኻርን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ብምዕባይን ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።