ህዝበ ሙስሊም ዓቅመ ደካማታት ብምድጋፍ ዘኽብሮ በዓል ዓረፋ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ዓቕመ ደካማታት ብምድጋፍን እስላማዊ ክብሪታት ብምሕላውን ከኽብር ይግባእ ኢሉ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፡፡

እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ መግለፂ ዝሃቡ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሸይኽ ኣብዱልከሪም ሸይኽ በድረዲን÷ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እእንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል ብምትሕግጋዝን ብምርድዳእን ከኽብሮ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ልምዓትን ማሕበራዊ ጉዳያትን እቲ ቤት ምኽሪ ሸይኽ ሃሚድ ሙሳ ብግደኦም÷ እቲ በዓል ተኣማንነት ነቢዩሏህ ኢብራሂም (ዐ.ሰ)፣ መስዋእትነትን ትዕግስቲን ዝዝከረሉ ስለዝኾነ ህዝበ ሙስሊም መንፈሳዊ ክብሪታቱ ሓሊዩ ከኽብሮ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ በዓል ዓቕመ ደካማታት፣ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ሕሙማንን ብምሕታትን ብምርዳእ ከምኡ እውን ንሃገር ሰላምን ንሓድነት ህዝቢታትን ብምስራሕ ምኽባር ይግባእ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሙስሊም ማሕረሰብ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ብንቕሓት ንኽሳተፍን እቲ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘምን ዝተለመደ ሰናይ እጃሙ ንኽፃወት ፀዊዖም።

Comments (0)
Add Comment