ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ምንቅስቃስ ንግዲ ንምንቕቓሕን ዕዳጋ ንምርግጋእን ዝሕግዙ ስራሕቲ ይካየዱ ኣለዉ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቁጠባን ዳግመ ህንፀትን በዓል ሓደራ ምምሕዳር እቲ ክልል ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር)።
እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል በዓል ሓደራ ምምሕዳር ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ዝተጎድኡ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ንግዳዊን መሓውራት ንምህናፅን ፀገማት ንምቅላልን ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወቱ ንኽምለስ ልዑል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተቛሪፆም ዝፀንሑ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን መሰረተ ልምዓታዊ መርበባትን ናብ ንቡር ስርሖም ከምዝተመለሱ ገሊፆም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፈረሱ መሓውራት መንግስቲ ንምህናፅን ኣገልግሎታት ህዝቢ ንምቕፃልን ግዝያዊ ኣወሃሃድቲ ብምምዳብ ዝተጠናኸረ ስራሕቲ ይካየዱ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ክልል ዕዳጋ ንኽንቀሳቐስን ቀረብ ምግብን ፍርያትን ንኽማላእን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ምስ ማሕበረሰብ ነጋዶ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር በዚ ድማ ሕፅረት ቀረብ እናተቐረፈ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኣብዚ እዋን መድረኻት ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዘተን ተጠናኺሮም ከምዝቐፅሉ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካብቶም መድረኻት ዝለዓሉ ድሌታትን ሕቶታትን ሕብረተሰብ መሰረት ብምግባር ንዝለዓሉ ፀገማት ምላሽ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።