ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ ክልል እናብፀሖ ዝርከብ ግፍዒን መከራን ንምምካት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከጠናኽር ኣለዎ ኢሎም ኣቦ መንበር ፓርቲ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ ከበደ ኣሰፋ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ምትእስሳር፣ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትርሕቕን ንድሕንነትን ስግኣትን ንኽትቃላዕን ዝገበራ እኩይ ተግባር ዝቕፅል ዘሎ ልኡኽቶ ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ “ፅምዶ” ብዝብል ስም ምስ ሻዕቢያ ዝፈጠሮ ናይ ጥፍኣት ምትእስሳ፤ ንኢትዮጵያ ንምፍራስን ካብ ዘላቒ ልምዓታ ንምትዕንቃፍን ዝተወጠነ ናይ ጓኖት ኣካላት ተልእኾ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
እዚ ዘይተቐደሰ ምትእስሳር ምምስራቱ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓታ ንኸይተረጋግፅን ሃገር ንምሕማስ ዝተዘርገሐ ናይ ጓኖት ፕሮጀክት ኣካል ምዃኑን እውን ገሊፆም።
እቲ ጉጅለ ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ ረብሓ ሃገር ኮነ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምኽባር ጠጠው ኣብ ክንዲ ዝብል ንልኡኽቶ ሓይልታት ወጻኢ ተገዛኢ ኮይኑ ከምዝፀንሐ እውን ገሊፆም።
ስነ-ልቦና ኢትዮጵያዊነት ዝነበሮምን ሕቡእ ኣጀንዳኡ ዝተረድኡን ተወለድቲ ትግራይ ብምጥፋእን ብምውጋድን ዝፈፀሞም እኩይ ተግባራት ነዚ ዘርኢ ምስክር ምዃኖም እውን ወሲኾም ገሊፆም።
ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምጥሓሱን መገዲ ጥፍኣት ምኽታሉን ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንባዕዲ ሓይልታት ናይ ምልእኣኽን ምግልጋልን ተፈጥሮኣዊ ባህሪኡ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ረብሓ ሓይልታት ወፃኢ ብመስዋእቲ መናእሰይ ክልል ትግራይ ንምፍፃም ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፤ ብንቕሓት ህዝቢን መናእሰይን ክንዲቲ ዝደለዮ ክዕወት ከምዘይከኣለ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ብሓደ ጠጠው ብምባል እቲ ጉጅለ ብቕልጡፍ ንምውጋድ ዝገብሩዎ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፀዊዖም።
ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ እውንፃ ኣድላዪ ፀቕጢ ብምፍጣር እቲ ጉጅለ እናብፀሖ ዝርከብ ግፍዒን መከራን ንምዝዛም ክሰርሑ ከምዘለዎም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።