ሊቨርፑል ምስ ኢፕስዊች ታውን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሳልሳይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ብዝካየድ ሓደ ፀወታ ክጅምር እዩ።

ብመሰረት እዚ ሊቨርፑል ካብ ሜዳኣ ወፃእ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 4 ምስ ኢፕስዊች ታውን ክትገጥም እያ።

ብኣንዶኒ ኢራኦላ ትምራሕ ሊቨርፑል ናይዚ ውድድር ዓመት ፈላማይ ዓወት ንምርካብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ እያ።

ሊቨርፑል ኣብቲ ሊግ ትገብሮም ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ብተመሳሳሊ 2 ን 2 ዝኾነ ውፅኢት ምዝዛማ ይዝከር።

ተጋጣሚታ ኢፕስዊች ታውን ብግደኣ ናብ ዓወት ንምምላስ ትገብሮ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኢፕስዊች ታውን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ፀወታኣ ዓወት ዝረኸበት ኮይና፤ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ግን ብማንቼስተር ዩናይትድ 5 ን 2 ዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ተሳዒራ እያ።

Comments (0)
Add Comment