ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 26 ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 61 ሺሕ ሰባት ብምስታፍ ብዓወት ተዛዚሙ።
መበል 26 ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ መደመር ንስፖርትን ሃገራዊ ኣጀንዳ ልምዓት ምግባሩ ብተግባር ዘርአየሉ ኮይኑ ብዓወት ምዝዛሙ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ገሊፁ።
ዓቕሚ ስፖርት ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነታን ብድምቀት ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ።
እዚ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸን እናዓበየን ዝመፅአ እዚ ዓቢዪ ናይ ጎደና ጉያ፤ ናይ ሎሚ ዓመት መደቡ ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ደረጅኡ ሓልዩ ንኽካየድ መንግስቲ መደመር ንዘፈር ስፖርት ዝሃቦ ፍሉይ ትኹረትን ሓፈሻዊ ድጋፍን ልዑል እጃም ከምዝነበሮ ገሊፁ።
መንግስቲ ዓውዲ ስፖርት ንምዝማንን ኣህጉራዊ ደረጃኦም ዝሓለዉ ውድድራት ንምትእንጋድን ዝዘርግሖ ኣሰራርሓ፤ እቲ ውድድር ምስሊ ሃገር ብዝሃንፅን ቱሪዝም ስፖርት ብዘነቓቕሕን መልክዑ ንኽዛዘም ከምዘኽአሎ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።