ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ስምዒት ጀግንነትን ዓወትን ንስነ ልቦናዊ ኩርዓት ማሕበረሰብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከኣለዎ።
ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብኩርዓት ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ዘኹርዕ ታሪኽ ጀግንነት ስለዘለዋ ኢዩ።
ብሃገር ምምካሕን ምኹራዕ ሎሚ ብዘሎ ዓቕሚን ውፅኢታዊ ስራሕን ዝምስረት እንትኸውን፤ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር እውን ነዚ መንፈስ ኩርዓት ዘጠናኽር ተግባር ኮይኑ እዩ።
ኢትዮጵያ ካብ ዝቐደመ ግዘ ጀሚሩ ንዓለም እናበርከተቶ ብእትርከብ ኣስተዋፅኦ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ መድረኻት ንኽካየዱላ ተመራፂት ኮይና ኣላ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ወፃእተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይመፁ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕዚ ኣጋይሽ ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅኡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ንምርኣይ ዘይስሕብን ንፅህና ዝጎደሎን ስለዝነበረ ዜጋታት ወፃኢ ዑደት ንኽገብሩሉ ዘይሕሰብ ነይሩ፡፡
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኢሎም ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ወቂቡ ዝተሰናደአ ሳሎን እምበር እቲ ዝተጎድአ ጓሮ ክሪኡ ምግባር ከቢድ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ጉሓፍ ዝድርበየሎም ዝነበሩ ገማግም ሩባታትን መአከቢ ለያቡን ዝኾኑ ቦታታት ኩሎም ንወፃእተኛታት ዝሕበኡ ቦታታት እዮም ነይሮም።
ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ነዚ ፀገም ብሰፊሑ ንምፍታሕ ዓብዪ ፍታሕ ኮይኑ ቀሪቡ።
እቲ ልምዓት ሜላ ኣነባብራን ፅሩይን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ንኽኸውን ካብ ምግባር ሓሊፉ፣ ፍሰት ቱሪዝም ኣብ ምውሳኽ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየዱ መንገዲ ከፊቱ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ወፃኢ ዜጋታት ኣብ ዝሰናድኡ ኣኼባታት ካብ ምስታፍ ሓሊፉ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተዘዋዊሮም ክበፅሑን ንምርኣይ ዘለዎም ሃንቀውታን ደጋጊሞም ይገልፁ ኣለዉ።
ዜጋታት ኣብ ናይ ትማሊ ታሪኽ ካብ ምኹራዕ ሓሊፎም ሎሚ ዝሰርሕዎን ውፅኢት ዘምፅኡሉን ስራሕ ብምርኣይ ስምዒት ኩርዓት ሃገር እናጠናኸሩ ይርከቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ፤ ልምዓት ኮሪደር ንኢትዮጵያ ዝምጥን ከተማ ካብ ምህናፅ ሓሊፉ፣ ታሪኽ ኩርዓታ ዘቐፅልን ዘመናዊ ኣነባብራ ንኽትክተል ዘኽእላን እዩ።
እቲ ብሓበራዊ ፃዕሪ ዝተረኸበ ዓወት ዝኾነ ልምዓት ኮሪደር፤ እንትረአ ይኹን ንኻልኦት እንተርእዩዎ ዘኹርዕ ተግባር ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።