ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚሊየን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኢሉ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ።
እቲ ቦርድ ኣብ ከይዲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ከምዝበለኦ፤ ነቲ መረፃ 54 ሚሊየን 571 ሺሕን 871 መረፅቲ ተመዝጊቦም።
ከይዲ እቲ መረፃ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪካን በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ከምዝዕዘቡዎ ገሊፀን።
ንሻውዓይ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዜጋታት ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።
ብሰለሞን ይታየው