ልዕሊ 9 ሺሕን 730 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2018 ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ሓይሊ ልዕሊ 9 ሺሕን 730 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ተኻኢሉ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፡፡

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ሓይሊ ዝርከብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ከተማን ገፀርን ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዜጋታት ተረባሕነት ሓይሊ ኣብ ምግባር ብቖራፅነት ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ሓይሊ ዝፈልፈለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 7 ሺሕን 910 ሜጋ ዋት ናብ 9 ሺሕን 730 ሜጋ ዋት ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ኣመልኪቶም፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ ሓይሊ ማይ 9 ሺሕን 201 ሜጋ ዋት፣ ካብ ሓይሊ ንፋስ 504 ሜጋ ዋት፣ ካብ ሓይሊ ፀሓይ 15 ነጥቢ 32 ሜጋ ዋት፣ ካብ ደረቕ ርስሓት 25 ሜጋ ዋትን ካብ ሙቐት ከርሰ ምድሪ 7 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ከምዝተኽኣለ ፀሪሖም፡፡

ካበ ብሄራዊ ግሪድ 490 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ብምግባር ሓፈሻዊ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ 5 ነጥቢ 82 ሚሊየን ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment