ሓምለዋይ ኣሰር ንመፍረያይነት ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ብምኽንያት ምምንማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ለውጢ ኣየርን እናተኣገደቶም ዝርከቡ ኣሉታዊ ፅዕንቶታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ መፂኡ ኢዩ።

እዚ ማሕለኻ ንምፅዋር ሚዛን ተፈጥሮ ምሕላውን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ስርዓት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፅ ኣድላዪ ኢዩ፡፡

በዚ መዳይ ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለመዳይ ምስላ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ፍርያትን መፍረያይነት ዓውዲ ሕርሻ እናዕበየ ይርከብ፡፡

ኣብ 2011 ዓ.ም ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓፂር እዋን ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብምስታፍ ልዑል ሃገራዊ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ዝዓረቑ መሬታት ዳግም ብምልማዕ፣ ምሽርሻር ሓመድ ብምክልኻልን ሽፋን ደኒ ብልዑል ደረጃ ብምድንፋዕን ዘይትካእ ግደ ይፃወት ኣሎ።

እዚ ስራሕ ሓለዋ ሃብቲ ተፈጥሮኣዊ ድማ ብቐጥታ ምስ ዓንዲ ሕቐ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዘፈር ሕርሻ ዝተኣሳሰረ እዩ።

ጎስጓስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ስርዓት ሕርሻ ንምህናፅ ብዙሓት ረብሓታት ኣለውዎ።

በቢዓመቱ ዝተከሉ ሚልየናት ፈልሲታት ምጉሕጓሕ መሬት ብምክልኻል ልሙዕ ሓመድ ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

እዚ ድማ መፍረያይነት መሬት ብልዑል ብርኪ ንኽውስኽን ማይ ከርሰ ምድሪ ክዓቢን ብምግባር፣ ንስራሕቲ መስኖን ሕርሻን ምቹው ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ መፅለሊ ኣእዋምን ደኒን ሓሊፉ፣ ንምግቢ ዝውዕሉ ከም ኣቮካዶ፣ ማንጎን ፓፓያን ዝኣመሰሉ ፈልሲታት ፍረምረ ብምክታት ውሕስነት ምግቢ ንኽረጋገፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ።

ብሓፈሻ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተፈጥሮኣዊ ምስሊ ከባቢ ንምሕላው ከምኡ እውን ፁሩይ ኣየርን ማይን ንኽህሉ ካብ ምግባር ሓሊፉ መፍረያትነት ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዝተዘርግሐ ጥንኩር መሰረት እዩ።

እዚ ጎስጓስ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ንክሌማዊ ለውጢ ዝፃወር ስርዓት ሕርሻ ንምህናፅ፣ ከምኡ እውን ዘላቒ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምግባር ዝግበር ሃገራዊ ጉዕዞ ብዝለዓለ ደረጃ እናሓገዘ ይርከብ።

ብሶስና ኣለማየሁ

Comments (0)
Add Comment