መፅሓፍ “መደመር” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ናብ ሩስኪ ተተርጒሙ ንንባብ በቒዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መፅሓፍ “መደመር” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ቋንቋ ሩስያ ሩስኪ ተተርጒሙ ንንባብ በቒዑ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ምረቓ እቲ መፅሓፍ ብምርካብ ብምስታፎም ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ከምዝተሰመዖም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እዚ ታሪኻዊ ዓወት ፍልስፍና መደመር ካብ ኢትዮጵያዊ ውሽጣዊ ፍልጠት ተበጊሱ ሎሚ ዶባት ሰጊሩ ናብ መላእ ዓለም እናተስፋሕፈሐ ከምዝኸይድ ዘርኢ ህያው መረጋገፂ እዩ ኢሎም።

መፅሓፍ “መደመር” ቅድሚ ሕዚ ካብ ቋንቋታት ሃገር ብተወሳኺ፣ ብእንግሊዝኛ፣ ቻይንኛን ዓረብኛን ተተርጒሙ ናብ ብዙሓት ኣንበብቲ ከምዝበፅሐ ኣዘኻኺሮም።

ሕዚ ድማ ሓሳብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ናብ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ተዛረብቲ ሩስያ ምብፅሑ፣ ዓለምለኻዊ ተበፃሕነት እቲ ፍልስፍናን ዲፕሎማስያዊ ፋይዳኡን ዝያዳ ከምዘዕብዮ ኣመልኪቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሩስያ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን መምሀሪት ስነ-ፅሑፍን ፍልጠትን ኮይና ከምዘገልገለት ብምሕባር፤ ሕዚ ድማ ሓሳብ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ሩስያ ናብ ኣንበብቲ ሩስያ ምብፅሑ እቲ ምልውዋጥ ፍልጠት ምሉእ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዓወት ንምርግጋፅን ነቲ መፅሓፍ ንምድላውን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩን ሰብ ሞያን መራሕቲን መራኸቢ ሓፋሽ ሩስያ ቱዴይ (RT) ንዘርአዩዎ ፃዕርን ትግሃትን ንኢዶም።

እዚ ሓዱሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝማዕበሉ ውሽጣዊ ፍልጠታት ባህሊን ፍልስፍናታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዝያዳ ንምልላይን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓያል ድልድል ባህሊን ሓሳብን ንምህናፅን ዓብዪ ግደ ከምዝህልዎ ኣልዒሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment