3ይ ጉባኤ ሩስያ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ሓደሽቲ መስመራት ንግዲ ንምዝርጋሕን በዓል ብዙሕ ወገን ዓለምለኻዊ ስርዓት ንምድልዳልን ዝዓለመ ድሌት ኣለዋ።

ሎሚን ፅባሕን ኣብ ሩስያ ሞስኮ ኣብ ዝካየድ 3ይ ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪካ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉባኤታት ብዝለዓሉ ኣጀንዳታትን ጎናዊ ዘተታት ክልተኣዊ ርክባትን ብሄራዊ ረብሓታታ ንምሕላው እዋናዊ ኣህጉራዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ኣጀንዳ ብምቕራብ ፅልዋኣ ንምጥንኻር ዕድል ይፈጥረላ።

ኢትዮጵያን ሩስያን ንብዙሓት ዓመታት ዝፀንሐ ታሪኽ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት እየን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማስያዊን ምሕዝነት ተሰጋጊሩ ኣሎ። ኣምባሳደር ሃገርና ዝኾነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞስኮ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ ግዘ በረራ እናካየደ ይርከብ።

ኢትዮጵያ መስራቲት ሕብረት ኣፍሪካን መቐመጢ ዋና ቤት ፅሕፈት እት ሕብረትን ካብ ምዃና ብተወሳኺ፤ ኣብ ብሪክስ ብንጥፈት እናተሰሳተፈት ብምህላዋ፤ እቲ ጉባኤ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ዓብዪ ዕድል ይፈጥረላ።

ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትትግብሮ ዘላ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚን ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ልምዓትን ንሩስያውያን ሰብ ሃፍቲ ንምልላይ ቀጥተኛ ኢንቨስትመነት ወፃኢ ንምስሓብ ዝሕግዝ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ዝሕግዝ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሩስያን ኢትዮጵያን ንሰላማዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ሓይሊ ኒውክሌር ምምዕባል ኣመልኪቱ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሓዊሱ ኣብ ስነ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ዕድላት ትምህርቲ ዝምልከቱ ስምምዓት፣ ንምዕባለ ክእለት ሓዱሽ ወለዶ ዓብዪ ኣበርክቶ ክህልዎም እዩ።

ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ዓለም ለኻዊ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ስርዓት ንኽህሉ እተካይዶ ፃዕሪ ንምጥንኻር ዝሕግዝ እንትኸውን፤ ኣብ ምትእስሳር ዕዳጋታትን ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምቕያር ይሕግዝ።

3ይ ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪካ ሃገራዊ ዕቤት ኢትዮጵያን ኣብ ዲፕሎማሲ ዘለዋ ፅልዋ ፈጣራይነትን ዘዕቢ ስትራተጂካዊ መድረኽ እዩ።

ሓባራዊ ረብሓ ብዘረጋግፅ መንገዲ ዝግበሩ ስምምዓት መዓልታዊ ህይወት ህዝብታት ንምምሕያሽን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎም እዩ።

ብቴዎድሮስ ሳህለ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment