ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ሃገር ዘየድፍር ዋልታ ሰማይ ኢዩ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ።
ንሃገር ካብ ባዕዳዊ ወራሪን ሽርሒ ባንዳታትን ዝከላኸል ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐን ዘይብዳህን ሓይሊ ኣየር ምህናፁ ብምግላፅ፥ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ሃገር ዘየድፍር ዋልታ ሰማይ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ፣ ብስነ ልቦና ዝበረኸ፣ ነክብሪ ሃገር መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዊ ዝኾነን ፀላኢ ኣምሪሩ ዝፀልእን ጅግና ሰራዊት ምህናፁ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ሓይሊ ኣየር ናይ ወግእ ምድላው ፈላማይ ዕላማ ውግእ ብር/ቕ ምትራፍ ኢዩ፤ ይኹን እንበር ፀላኢ ንኣማራፂ ሰላም ሸለል ብምባል ናብ ኲናት አንተኣቲዩ ሓይሊ ኣየርና ህልውና ፀላኢ ክሳብ መወዳእታ ዘብቅዕ ዘተኣማምን ወቓዒ ሓይሊ ምዃኑ ብተግባር ዘረጋግፅ ኢዩ ኢሎም።
ፈላማይ ሓላፍነት መራሒ ሰራዊት ኣብ እዋን ሰላም ነቲ ሰራዊ ንኲናት ድልዊ ምግባር፣ ኲናት እንተጋጢሙ ድማ ዓወት ምሕፋስ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሃገር እትፀንዕ ብዘበናዊነት ዝተወደበ፣ ዝሰልጠነ፣ ዝተዓጠቐን ብቑዕ ብዝኾነ ጅግና ሰራዊት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ዘላቒ ህንፀት ትካል እቲ ሓይሊ ኣየር ብሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ብዲጂታል ኣሰራርሓታት ስልጠና ከምኡ ‘ውን ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣቪዬሽንን ዕጥቅታት ኣፅዋርን ዝተዓጀበ ምዃን ነቲ ትካል ዘይብዳህን ዘተኣማምንን ሓይሊ ከምዝገበሮ ምግላፆም ኦን ላይን ሰራዊት ምክልኻል ንዲጂታል ሚዲያ ኣብ ዝለኣኾነ መረዳእታ ሓቢሩ።