ሓይሊ ድሮን ኣፍሪካ – ኢትዮጵያ!

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ግመ ክረምቲ ተቐንጢጡ ተናፋቒት ፀሓይ መስከረም ዝወፀትሉ ዕለት ልክዕ በዛ ሎሚ ዓመት እዩ ነይሩ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፋብሪካ ምፍራይ ድሮን ኤሮ ኣባይ ዝተረኽቡ።

ኣብቲ እዋን ንንግዳዊ ኣገልግሎት ካብ ዝውዕሉ ድሮናት ጀሚሩ፣ ክሳብ ተልእኾ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘለዎም ድሮናት ብደቂ ሃገር ዝፍረዩሉ ማእከል በፂሖም ተዓዚቦም።

ኣብቲ እዋን ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ብዛዕባ ቴክኖሎጂ ድሮን ኣመልኪቶም ከም ኣብነት ዝጠቐሱዋ ሃገር ህንዲ ነበረት።

ስለምንታይ ህንዲ?

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1950ታት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ደቡብ እስያዊት ሃገር ህንዲ ዝነበራ ዓብዪ ፀገም ድኽነት እዩ።

ድኽነት ዝወልዶ ብሄራዊ ውርደት፤ ኒውደልሂ ክትምክቶ ዝደለየት ፀርፋ ነበረ።

ስለዝኾነ ድማ ብዝወሰደቶም ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻትን ብዝወለዐቶ ብሄራዊ ክብሪን ኣዚዩ ስሉጥ ብዝኾነ መልክዑ ኢኮኖሚኣ ንቕድሚት ክስጉም ጀሚሩ።

ምስ ጎረቤት ሃገር ፓኪስታን ብዙሕ ፈተናታት ዘጋጥማ፣ ከም ቀደም ሃገርነታ ዝግባኣ ቦታ ክትረክብ ዘይከኣለት ህንዲ፤ እናዓበየ ዝመፅአ ኢኮኖሚኣ ጥራሕ ሒዛ ናብ ዓለም ናብ ውድድር መድረኽ ኣይተፀንበረትን።

እኳደኣስ ምክልኻላ እውን ብውፅኢት ቁጠባኣ ንምምዕባል ዝነበራ ሕልሚ ሒዛ ቀፀለት፤ እዚ ድማ ጋህዲ ክትገብሮ ክኢላ።

ሎሚ እታ ሃገር ካብ ሃገራት ደቡብ እስያ ብወተሃደራዊ ዓቕማ ቀዳመይቲ እያ፤ ኣብ ዓለም ዓብዪ ዓቕሚ ምክልኻል ካብ ዝሃነፃ ሃገራት ድማ 4ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።ፃኮኖሚኣ ድማ ነቲ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሒዙ ብሓባር እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ምናልባት ኣብ ዝቕፅሉ 4 ዓመታት ኣብ ዓለም ናይ ምክልኻል ዕጥቂን መሳርሒታትን ናብ ካልኦት ሃገራት ብምልኣኽ ካብ ቀዳሞት 6 ሃገራት ሓንቲ ንምዃን ብትግሃት ትሰርሕ ኣላ። ትንበያታት እውን ንህንዲ ካብ ጉዕዞኣ ንድሕሪት ዝጎትታ ሓይሊ ከምዘየለ ዘመላኽቱ እዮም።

ኢትዮጵያኸ?

ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ (ዶ/ር) ንፋብሪካ ምፍራይ ድሮን ኤሮ ኣባይ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን ከም ዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ካብተን ቁፅረን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ ሃገራት ቁጠባዊ ዝላ ካብ ዘርአያ ሓንቲ ኮይና ኣላ።

ኣብቲ እዋብ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፤ “ሓፈሻዊ ጉዕዞ ኢኮኖሚ ትኽክለኛ መስመር እንትሕዝ ምዕባለ ንምርግጋፅ ትሓስብ ሃገርን ሕልሚን ዘለዎም ሰባትን ቀፂሎም ክሓስቡሉ ዝግባእ ጉዳይ ወተሃደራዊ ዓቕሚ እዩ” ኢሎም ነይሮም።

“ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ኢኮኖሚአን ምስ ወታደራዊ ዓቕመን ኣዋዲደን ክመርሓ እንተዘይክኢለን፣ ብሰንኪ ስእነት ዓቕሚ ብዙሕ ዝተፅዓረሉ ቁጠባ ክወድቕ ይኽእል እዩ” ኢሎም።

ጉዕዞ ህንዲ ናይ ቀደም ዕብየትን ሃገራዊ ክብሪ ንምሕላው ዝገበረቶ ፃዕሪን ከም ኒውደልሂ ኣብ ቀዳማይ ስልጣነኣ ሕዚ ድማ ብኢኮኖሚያዊ ዕቤታ ናብ ቅድሚት ክትስጉም ዝጀመረት ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ ታሪኽ ዝቀራረብ እዩ።

ብዙሓት ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ሃገረ መንግስቲ ትውንን ኢትዮጵያ፤ ንኽብራን ስማን ዝምጥን ናይ ቴክኖሎጂ ጉዕዞ ኣብ ምጉዓዝ ከምትርከብ ካብ ዘርእዩ ሓቅታት ሓደ እዚ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ድሮን እዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ዒላማ ብዕዉት ኩነታት ካብ ዘጥፍኣ ድሮናት ጀሚሩ ንስለያ ዝውዕሉ ብኢድ ዝተሓዙ፣ ኣብ ጁባ ዝኣትዉ ወይ እውን ኣብ ቦርሳ ዝኣትዉ ኣሽቲ ድሮናት፣ ከምኡ እውን ናይ ንግዲ ድሮናት ኣብዚ ፋብሪካ ምፍራይ ድሮናት ይፈርዩ ኣለዉ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተዳለወ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኢንተርኔት ንፈለማ እዋን ንሰማይ ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ዝለወጡሉ ዕለት ጀሚሩ፤ ኣብዚ ዓመት ኣብ በዓላት ሓዱሽ ዓመትን ጊፋታን ድማ ዝተፈላለዩ መልእኽታት ሒዞም ኣብ ሰማይ ክደምቑ ዝተፈላለዩ ድሮናት ምርኣይ ተኻኢሉ።

እዚ ናይ ሃገር ልዕልነት ዘይኸውን ዝመስል ዝነበረ ርሑቕ ሕልሚ ኣቕሪቡ ሎሚ ኢትዮጵያ ንቅኒት፣ ንወፍሪ ንምፍፃምን ንንግዲን ዝውዕሉ ድሮናት ብብዝሒን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ፈጢራ ኣላ።

ናብ ድሕሪት ንመለስ!

ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ግመ ክረምቲ ተቐንጢጡ፤ ድሙቕ ፀሓይ መስከረም ኣብ ዝወፅአትሉ ዕለት፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፋብሪካ ምፍራይ ድሮናት ዝገበርዎ ዑደት ድሕሪ ምዝዛም፣ ንመራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ መወዳእታ ከምዚ ኢሎም፦

“ኣብ ሕርሻ፣ ኣብ ማዕድን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ዘምፃእናዮ ውፅኢት ብኸምዚ ዓይነት ዓቕሚ እንተዘይተደጊፉ፣ ብዙሕ ባንዳን ባዕዲን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ምስ እዋኑ ምስጓም ኣይከኣልን፤ ስለዚ ዓቕሚ ወሳኒ እዩ” ኢሎም ነይሮም፡፡

ብነቢዩ ይርጋለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment