ወታደራዊ ስልጠና ንዝለዓለ ብቕዓት ኣመራርሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ መንግስቲ ወታደራዊ ስልጠናታት ክወስዱን ፖሊሲታት ድሕንነት ብግቡእ ክርድኡን እናተገበረ ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ብርኪ ፌደራል ዝርከቡ ኣመራርሓ ፖለቲካ ዝወስዱዎ ዝነበሩ ስልጠና ዛዚሞም ናብ ስረሖም ተመሊሶም ኣለዉ።

እዚ ናይ ሓፂር እዋን ወታደራዊ ስልጠና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ፖለቲካዊ መራሕቲ ስትራቴጂ ወታደራዊ ሓይሊ ሓዊሱ ፖሊሲ ድሕንነት ብግቡእ ክርድኡ ዝሕግዝ ስልጠና እዩ።

እዚ ስልጠና ካብ ዝህባ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ህንዲን ዝፅራሓ እንትኾና፤ ከም እስራኤል፣ ስዊዘርላንድን ሰሜን ኮርያን ዝበላ ሃገራት ድማ ፖለቲከኛታተን ወታደራዊ ተሞኩሮ ክህልዎም ዘኽእል ኣሰራርሓ ይኽተላ።

ኢትዮጵያ’ውን ነዚ ተሞኩሮ ብምውሳድ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፖለቲካ ስልጠና እናሃበት ትርከብ። ኣብ ብርኪ ፌደራል ዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፖለቲካ እቲ ስልጠና ወሲዶም ዛዚሞም ናብ ስረሖም ተመሊሶም እዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) እቲ ስልጠና ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ስልጠና ወታደራዊ ሳይኒስ ኣብ ኣካላዊ፣ ኣእምሮኣዊን ተግባራዊን ድልውነት ሓዱሽ ዓቕሚ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።

እቲ ስልጠና ወታደራዊ ሳይን ንሲቪል መራሕቲ ምሃቡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ወታደራዊ ሓይሊ፣ ስርዓት ምክልኻል፣ ድሕንነት ሃገራዊ ስትራቴጂን ኣወሳስና ውሳነን ዘለዎም ግንዛበ ንምስፋሕ ጠቓሚ መሰረት ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም።

እዚ ስልጠና ኣመራርሓ ካብ ዝነበሮም ባህሊ ስራሕ ብተወሳኺ ወታደራዊ ባህሊ ስራሕን ፍቕሪ ሃገርን ንኽርድኡ ከምኡ እውን ህይወቶም እናሰውኡ ንሃገር ናይ ምፅናዕ ሞያ ወታደርነት ንኽግንዘቡ ዝሕግዝ እዩ።

ኣብ ሁርሶ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ስልጠና ሕፁያት መኮንናት ንላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ሃገር ዝተውሃበ ስልጠና፤ ካብ ዓቕሚን ተመኩሮን እቲ ትካል ናይ ምስልጣን ምርኢት ምቕራብ ሓሊፉ እቶም መራሕቲ ካብቲ ስልጠና ዝረኸብዎ ተመኩሮ፣ ተግባርን ሓላፍነትን ሰራዊት ምክልኻል ብዝሓሸ ኩነታት ንኽርድኡ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝተዋደደ ኣመራርሓ ንምጥንኻር ክሕግዞም እዩ።

እዚ ፍልጠት ብምጥቃም ዕቤት ሃገር ንምቅልጣፍን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብዝተዋደደ መልክዑ ብሓባር ንምስራሕን ወታደራዊ ዲሲፕሊን ኣብ ተግባር ምውዓል ከምዘድሊ ዘርኢ እዩ።

ኢትዮጵያ ማእኸል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንምዃን እትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ዝጀመረቶም ስራሕቲ ንምዕዋት ኣብ ትኽክለኛ መንገዲ ከምዘላ ዘርእዩ መርኣያታት እዮም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብእመቤት ሲሳይ

Comments (0)
Add Comment