ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣተኣኻኽባን ኣጠቓቕማን ገንዘብ ፓርቲታት ፖለቲካ ብሕጊን ደምቢን ክምራሕ ኣለዎ ኢሎም ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ።
2ይ ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ፣ “ዕቤት ምምሕዳር፤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ሓንፀፅቲ ንድፊ ቀፃሊ ዕጫ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ እዮም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ኣቦ ወንበር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ከምኡ እውን መካተቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምጥንኻር ሕብረት ኣፍሪካ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ።
ፓርቲታት ፖለቲካ ስልጣን ካብ ምርካብ ሓሊፎም ንህዝቢ ዝጠቕሙ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፖሊሲታት ናይ ምሕንፃፅን ብዛዕባ ሃገራዊ ረብሓ ግንዛበ ህዝቢ ናይ ምዕባይ ሰፊሕ ልኡኽቶ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ንተግባራት መንግስቲ ምክትታልን ምቁፅፃርን ካብ መትከላት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሓደ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
መንግስታት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምሕላው፣ ናፃን ተኣማንነት ዘለዎምን መረፃታት ናይ ምክያድን መሰረታዊ ናፅነታት ናይ ምርግጋፅን ሓላፍነት ከምዘለዎም ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ኣካላት ፖለቲካ ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ዘይምስምማዕ እንተተፈጢሩ እውን ብዘተ መፍትሒ ምእላሽ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ነቲ ጉባኤ ብምትእንጋዳ ብምምስጋን፤ ንፖለቲካዊ ኣመራርሓ፣ ስራሕቲ ለውጢን ራኢን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኢዶም።
ብመሳፍንት ብርሌ