ሓድሽ መንግስቲ መደመር፤ ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ብራኸ ናይ ምብፃሕ ራእይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ዝሓሸ ውፅኢት ንምስግጋር፣ ኣብ ብዙሕነት ፖለቲካ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ንምትእንጋድን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ሃገራዊ ረብሓታታ ብዝሓሸ ኩነታት ንምሕላውን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ትሰጋገር ኣላ።

ምስረታ መንግስቲ ባዕሉ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኮነስ፣ እቲ ዝተውሃበና ሓላፍነት ህዝቢ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ዝቕየረሉ መጀመርታ ስራሕን ሓላፍነትን እዩ።

ብምኳኑ፤ እቲ ሓድሽ ዝተዋደደ ምምሕዳር መንግስቲ ንህዝቢ ድሌታት ልምዓት፣ ሰላም፣ ፍትሕን ዝሓሸ ኣገልግሎትን መልሲ ክህብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ዝዓጠቐ ክኸውን ይግባእ።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ መደመር ኣብ ቀፃሊ ምርግጋእ ቁጠባን ምቅላል ናብራ መነባብሮን፣ ዓቕሚ ምግዛእ ዜጋታት ምምሕያሽን ኩነታት ኢንቨስትመንት ምርግጋእን ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ መደመር ኣብ ቀፃሊ ክዓሞ ዘለዎ ዕዮ ገዛ ትካላት ምምስራት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብውፅኢታውነት ምቕፃል እውን እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሕርሻ፣ ልምዓት መስኖ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዕድን፣ ዲጂታል ቁጠባ፣ ቱሪዝም፣ ልምዓት ፀዓትን መሰረተ ልምዓትን ዝተመዝገቡ ዕቤታት ብዝለዓለ ደረጃ ምቕፃል ትፅቢት ይግበረሉ።

ምህርቲ ስርናይ ብመስኖ ብምስፋሕ፣ ልምዓታዊ ትሩፋት ብምጥንኻር፣ ፍርያምነት ሕርሻ ብምዕባይ፣ ፍርያት ኢንዱስትሪ ብምስፋሕ፣ ሃብቲ ማዕድን ብግቡእ ብምልማዕ፣ ሽግግር ዲጂታል ብምቅልጣፍን ሃብቲ ቱሪዝም ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ብምቕያርን ንዕቤትን ብራኸ ኢትዮጵያ ብትግሃት ምስራሕ ኣድላዪ እዩ።

ከይዲ ህንፀት ሃገር ብሓደ ግዘ ጥራሕ ዝስራሕ ስለዘይኮነ፣ ብዝተደመረ ዓቕሚ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ምምዕባልን ህንፀት ትካላት ኣጠናኺርካ ምቕፃልን ይሓትት።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

 

 

Comments (0)
Add Comment